Very Diverse Group of Students smiling and having fun

ንሓደሽቲ መፃእቲ ናብ ሽወደን

           እንኳዕ ብደሓን መፃኹም ናብ ናካን ሎዌንፈልድን

                   LÖWENFELDT & CO

ናካ ኮሙን ብዝሃበና መምርሒ መሰረት ክንሕግዘኩም ካብ ዝተዳለናሎም ምድላዋት፣ ቋንቋ ሽወደን ብቐሊሉን ብተሎን ምሙሃር ምኽንያቱ ካዓ ስራሕ ተሎ

ንክትረኽቡ ፤ ትምህርቲ ክትቅፅሉ እንተደሊኹም ከምኡ´ውን ናይ ባዕልኹም ድርጅት(ትካል) ንኽትከፍቱን ሽወደናውያን የዕሩኽ ንኽህልውኹም ወዘተ ኢዮም።

 

 ካፍቶም ንህበኩም ሓገዛት

– ቛንቛ ሽወደን ኣብ SFI ምስ ውሕዳትን ብዘይምጭንናቕ ምምሃር

– ኣብሓደ ካፍቶም ብዙሓት ድርጅታት(ትካላት) ቛንቛ ሽወደን ምስ ሽወደናውያን ምዝርራብ ወይ ካዓ ምልምማድ

* ናትኩም ድሌትን ክእለትን ዝምጥን ቦታ ምርካብ

* ናብትምህርቲ ቀረባ, መንገዲ እግሪ ወይ ካዓ ሓፂር ጉዕዞ ኣውቶቡስ ወይ ባቡር

– ሓገዝ ወይ ካዓ ሕቶ ኣብህዝልወኩም ግዜ ብቑዕ ዝኾነ ናይ ባዕልኹም መሰልጠኒ ወይ ካዓ መንገዲ ሓባሪ ኪኢላ ይህልወኩም

– ካብ ዓዲ ሒዝክምዎ ንትመፁ ናይ ትምህርቲ ውፅኢት/ነጥቢ ሕጋዊ ኣብ ምግባር

– ኣብ ትርፊ ግዜኹም ክትገብርዎም እትደልዩ ምንቅስቓሳት/ መዝናነይታት ምርካብ

– ኣብ ሓፂር እዋን ብፈጣን መንገዲ ንድሌታትኩምን ትምኒትኩምን ብትምህርቲ፣ብስራሕ  ኣብምርካብን ናይ ባዕልኹም  ትካል/ድርጅት ኣብ ምኽፋትን ንሕግዘኩም ።

 

 ቛንቛ

ሽወደን፣ኢንግሊሽ፣ትግርኛ፣ኣማርኛ፣ዓረብ፣ዳሪ፣ፋርሲ፣ራሻ፣ጣልያን ወዘተ…

ኣብ SFI ትምህርትቤት ቛንቛ ዓረብ ክእለት ዘለዎ መንገዲ ሓባሪን መምህርን እዉን ኣለና።

 

 ቛንቛ ሽወደን መለማመዲ ቦታታትን ስራሕትን

ካፍቶም ዘለውና ንዓኹም ዝምጥኑ ቛንቛ መለማመዲ ስራሕታት

– ኢኮኖሚ/ቑጠባ

– ህንፃ

– ኮምፒተር ኣይቲ

– ንግዲ/ሸቐጥ, ቡቲክ

– ሆቴል, ምግቤት

– ጥዕና, ሕክምና

– ቴክኒክ

– ምክንኻን ሰውነት

– ባህሊ

– ትፈጥሮ እንስሳት

– ፅሬት

– ትራንስፖርት ወዘተ…

manga-yrken-stor-dreamstime_l_44596438-kopia

ተወሳኺ ሓገዝ

ካፍቶም ልምዲታትና ካብ ጭንቀትን ብጭንቀት ክላዓሉ ዝኽእሉ ሕማማት ኣብ ኣድላይ ዝኾነሉ ሓገዝ ንህብ።

ድሌትኩም እንድሕር ኮይኑ ናይ ምድሓን ክእለት ዘለዎ ናይ ዮጋ ስልጠና ወይ ክዓ ክፍለግዜ ን ምርግእ ሰውነትና ክፋላቱን ምስ ዮጋዮ ብሓባር ንሰርሕ

ንሕና

ስራሕና ንፈቱ፣ ክንሕግዝ ድሌት ዘለናን ሽቶ ነውቅዕንእዚድማ ናይ ነዊሕን ዓሚቑን ፍልጠትን ክእለትን ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ንከማኹም ሓደሽቲ መፃእቲ

ናይ ሕልምኽም ሽቶ ንምውቃዕ ንሕግዝ።

ካብ 2006 ጀሚሩ ካብ መላእ ዓለም ንዝመፁ ካብ ንእሽተይ ክሳብ ዓብይ ድሌቶም ንምስኻዕ ሓጊዝናን ኢና።

በዚ መሰረት ብዙሓት ሕጉሳትን ሕልሞም ዝተሳኸዐሎምን ዓማዊል ኣለውና።

 

SFI – SVENSKA FÖR INVANDRARE (ቛንቛ ሽወደን ንወፃእተኛታት)

 

ንኽንራኸብ ተስፋ ንገብር ብደሓን ምፁ።